Living in Switzerland – Information and counselling online  

መድሕን ተሽከርከርቲ

ኩሎም ተሽከርከቲ ዚውንኑ ሰባት ማለት መካይን፡ ሞተር ባይክ ወዘተ ኣብ ናይ መድሕን ሓላፍነት ኪምዝገቡ ይግባእ። ብዘይካ ግደታዊ ዝኾነ ናይ መድሕን ሓላፍነት፡ ኣብ ካልእ መዳይ ድማ ግዴታዊ ዘይኮነ ናይ መድሕን ኣገልግሎታት ከም መድሕን ካስኮ (ኣብ  ልዕሊ መኪናኻ ዚወርድ ጉድኣት ንምሽፋን ዝእቶ)ን መድሕን ሓደጋ  ተሽከርከርትን ምምዝጋብ ይከኣል እዩ።
ናይ መድሕን ሓላፍነት፡ ብመድሕን ዝኣተወት ማኪና ኣብ ልዕሊ ሳልሳይ ኣካል ዚውርድ መጉዳእቲ ይሽፍን ወይ ይኸፍል (ኣብ  ኣካላትን ንብረትን ዚወርድ ዕንወት ከምኡ ድማ ብሰንኪ እቲ መጉዳእቲ ስዒቡ ዝመጸ ምጉዳል እቶት ይሽፍን)።
ከፊላዊ መድሕን ካስኮ፡ ንመድሕን ዝኣተወት ተሽከርካሪት፡ ብሰሪ በረድ፡ ህቦብላ፡ እሳት፡ ምህማም ቀጸላታት በረድ ወይ እንስሳ ዚወርድ ጉድኣት ይሽፍነላ።
መድሕን ካስኮ ግጭት፡ በቲ መድሕን ዝኣተወ ሰብ ኣብ ልዕሊ መኪናኡ ዚወርድ ጉድኣት ይሽፍን። ምሉእ መድሕን ካስኮ፡ ነቲ መድሕን ካስኮ ግጭትን ንኸፊላዊ መድሕን ካስኮን ብሓባር ዝጠምር እዩ፡፡ ናይ ተሳፈርቲ መድሕን፡ ኣብ መድሕን ዝኣተወት ተሽከርካሪት ከለዉ ዝወርድ ጉድኣት ይሽፍን።

ኣብዚ ዓምዲ: መደሕን ተሳፈርቲ , መድሕን ካስኮ , themen/versicherungen/motorfahrzeugversichrung/kuendigen-und-wechseln, ስርዓታት ጠርቂ, themen/versicherungen/motorfahrzeugversichrung/schadenmeldung, መድሕን ሓላፍነት ንብሞቶር ዝንቀሳቐሳ ተሽከርከርቲ

Related links: