Living in Switzerland – Information and counselling online  

ዘቤታዊ መድሕን

ዘይተጸበኻዮ፡ ገዛኻ ብባርዕ ሓዊ፡  ብማይ፡ ብብርቱዕ ንፋሳት፡ ብሰረቕቲ ወይ ጎሓላሉ ጉድኣት ኪበጽሖ ይኽእል እዩ። ብዙሓት ስድራ ቤታት ስዊዘርላንድ ምስ ዘቤታዊ መድሕን ብምእታው ኣብ ልዕሊ ናይ ገዛ ኣቑሑ፡ ክዳውንቲ ወይ ኤለክትሪካዊ ንብረታት ኪወርድ ካብ ዚኽእል ጉድኣት ነብሶም ይከላኸሉ።


እዚ ዓይነት መድሕን ብምርጫና ኢና እንኣትዎ።  ብሓፈሻ ንሓደ ኣቕሓ መድሕን ኪእተዎ ከሎ በቲ ህልዉ ዕዳጋታት መሰረት ብምግባር እዩ።  ሓደጋ ኣብ ዘጋጥም እዋን፡ እቲ መድሕን ዝኣተወ ኣካል፡ ብተመሳሳሊ ዋጋ ቅያር ሓድሽ ንብረት ኪገዝእ ይፍቀደሉ።


ኣስተውዕል!
ኣብ ካንቶናት ባዝል ኮምፓኝ፡ ፍሪቡርግ፡ ግላሪስ፡ ጁራ፡ ኒድቫልድ፡ ሶለርን ቮን፡ መድሕን ኣንጻር ባርዕ ሓዊ ግዴታዊ እዩ።


ለበዋታት፡
ቅድሚ ምስ ሓንቲ ናይ መድሕን ካምፓኒ ውዕል ዘቤታዊ መድሕን ምፍራምኩም፡ ካልኦት መድሕን ዝህበኦ ኣገልግሎታትውን ምርኣይን ምንጽጻርን ኬድልየኩም እዩ።
 

ኣብዚ ዓምዲ: ድምር ዋጋ መድህን ዝእተዎ ንብረት , ሓደጋ ምስ ዘጋጥም

Related links: