Living in Switzerland – Information and counselling online  

ግላዊ ናይ ሓላፍነት መድሕን

ግዴታዊ እኳ እንተዘይኮነ፡ ውዕል ግላዊ ናይ ሓላፍነት መድሕን ክንኣቱ ኣዚዩ ተመራጺ እዩ። ተግባርካ ወይ ኣኻይዳኻ ኣብ ልዕሊ ሳልሳይ ኣካል ጉድኣት ኣንተ ኣብጺሑ ክቡር ገንዘብ ክትከፍል የገድደካ ይኸውን።  ሕጊ ስዊዘርላንድ ነቲ "ዘይተወሰነ ሓላፍነት" ዚብል መትከል ይቕበል እዩ፡ ማለት እቲ ዚኽፈል ካሕሳ (ንዕንወትን  ወለድን ) ኣዝዩ ልዑል እዩ።
ኣብ ናይ ሓላፍነት መድሕን፡ ብግልኻ ጥራይ ወይ ድማ ንብምልኡ ስድራ ቤትካ ዘጠቓለለ ውዕል ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ስድራ ቤታዊ ሓላፍነት መድሕን

ግላዊ ናይ ሓላፍነት መድሕን፡ ነቲ መድሕን ዝኣተወ ወልቀ ሰብ ጥራይ እዩ ዚሽፍን፣ ናይ ስድራ ቤታዊ ሓላፍነት ኢንሹራንስ ግን ንብዙሓት ሰባት ማለት ነቲ ውዕል ዝኣተወ ሰብን ምስኡ ኣብ ሓደ ገዛ ዚነብሩ ትሕቲ ዕድመን ልዕሊ ዕድመን ዝኾኑ ኣባላት እታ ስድራ ቤት የጠቓልል። ዋላ ኣብ ሓደ ገዛ ኣይንበሩ ንቆልዑ፡ ኮተቴን መንእሰያትንውን እዚ መድሕን ክንኣትወሎም ንኽእል ኢና። ሰራሕተኛታት ኣባላት እታ ስድራ ቤት፡ ኣብ እዋን ስራሕ ኣብ ልዕሊ ሳልሳይ ኣካል ዝውርድዎ ጉድኣት እታ መድሕን ትሽፍኖ እያ።
መድሕን ዚህቦ ኣገልግሎት

ግላዊ ናይ ሓላፍነት መድሕን ትሽከሞ ሓላፍነት፦

  • ንዝተረጋገጸ ጥርዓን ካሕሳ ምኽፋል
  • ነቶም መድሕን ዝኣተዉ ዘይግቡእ ወጻኢታት ከይከፍሉ ብሕጊ ትከላኸለሎም።

ኣስተውዕሉ!
ነዞም ዚስዕቡ ኣብ ልዕሊ ንብረትን ሰብን ዚወርዱ ጉድኣት መድሕን ኣይትሽፍኖምን እያ፡

  • እቲ መድሕን ዝኣተወ ሰብ ነቲ ሓደጋ ኣብ ግዜ ስራሑ እንተ ፈጺሙዎ፡
  • እቲ ጉድኣት ብፍላጥ ዝተፈጸመ እንተ ኾይኑ፡
  • እቲ ጉድኣት ኣብ ሓደ ገዛ ንዚነብሩ ዚትንክፍ ምስ ዝኾውን። እዚ ማለት፡ ሓደ ቆልዓ ኣብ ጸውታ ከሎ ንሓደ ብጻዩ መጻውትቲ እንተ ጎዲእዎ እዚ ብመድሕን ኪሽፈን ይከኣል እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ዝተጎድኣ ሰብ ሓዉ እንተ ኾይኑ ነዚ መድሕን ኣይትከፍሎምን እያ።

Related links: