Living in Switzerland – Information and counselling online  

ናይ ሓደጋ መድሕን

ኣብ ስዊዘርላንድ፡ ኣንጻር ኣብ ልዕሊ  ህይወት፡ ጥዕና፡ ንብረትን ኣቓሓን ዚወርድ ወይ ኪወርድ ዚኽእል ሓደጋ መድሕን ንኣትወሎም ኢና። ካብዚኦም ገሊኣቶም ተገዲድና ንኣትዎም ኪኾኑ እንከለዉ እቶም ዝተረፉ ግን ብናትና ምርጫ ንኣትዎም እዮም።


መድሕን፡ ንሓደ "በኣዕናዊ ኩነት" ዝጠፈኣ ዋጋ ይሽፍን። "ኣዕናዊ ኩነት" ማለት ኣቐዲምካ ክትፈልጦ ዘይትኽእል እዩ። ኪመጽእ ዚኽእል ምዃኑን ዘይምዃኑን ጥራይ ዘይኮነ መኣስ ኪመጽእ ይኽእልውን ኣይንፈልጦን ኢና።
ናይ መድሕን ክፍሊት ኣብ ''ምድግጋፍ መትከል" ዚምርኮስ እዩ። ነቲ ዝወረደ ጉድኣት ንምሽፋን ኩሎም ኣብቲ መድሕን እቱዋት ዝኾኑ ሰባት ብብእዋኑ ብመልክዕ ጠርቂ (prime) ገንዘብ የዋጽኡ እዮም። ንሰብ፡ ኣቕሓ ወይ ንብረት መድሕን ክንኣትወሎም ንኽእል ኢና።

ንመድሕን ዚዋጻእ ገንዘብ

እቲ ንመድሕን ዚዋጻእ ገንዘብ ካብ ገምጋም ኣብ መጻኢ  ኪወርድ ዚኽእል ሓደጋ ጥራይ ኣይኮን ዚሕሰብ። ብናይ ምምሕዳራዊ ወጻኢታትውን ይጽሎ እዩ። ከምዚ ስለ ዝኾነ ከኣ ኣብ መንጎ ሓንቲ ናይ መድሕን ካምፓኒን ካልእ ናይ መድሕን ካምፓኒን ወይ ድማ ኣብ ዓይነት ውዕላት ብዙሕ ፍልልያት ዝረኣ።

ኣብ ገለ መዳያት ድማ እቲ ዝዋጻእ ገንዘብ ብኻይዳ ናይ ሓደ ኣብቲ መድሕን እቱው ዝኾነ ውልቀ ሰብ ይጽሎ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ብዘይ ሓደጋ  ዝዝውሩ መራሕቲ መካይን ውሑድ ናይ መድሕን መውጽኦ ወይ ፕሪም ዚኸፍሉ።

ኣስተውዕል!
ናይ መድሕን ካምፓኒታት፡ ሓደ ሰብ ነቲ ወርሓዊ ክፍሊት መድሕን ኪፍጽም ብመዘኻኸሪ ቀሪብሉ እንተ ዘይከፊሉ፡ ካብቲ መድሕን ክእለ ይኽእል እዩ። ድሕሪ ገደብ ግዜ ናይ መዘኻኸሪ ጽሑፍ ምሕላፉ፡ መድሕን ካምፓኒ በቲ ውዕል ኣይትእሰርን እያ፡ ትኸፍሎ ካሕሳውን የብላን።

ኣብዚ ዓምዲ: ዘቤታዊ መድሕን, ግላዊ ናይ ሓላፍነት መድሕን, መድሕን ተሽከርከርቲ

Related links: