Living in Switzerland – Information and counselling online  

ግብሪ

ኣብ 2007፡ ፈደራል፡ ካንቶንን ኮምዩንን ከባቢ 146 ቢልዮን ዝጽጋዕ ናይ ስዊዝ ፍራንክ ወጻኢታት ጌሮም። ንትሕተ ቅርጺ፡ ትራፊክ፡ ሰራዊትን ፖሊስን፡ ትምህርትን ስልጠናን፡ ጥዕናን ማሕበራዊ ድሕነትን፡ ባህልን ስፖርትን ዚወጽእ ገንዘብ ካብ ናይ ግሊ ኣታዊታትን ሃብትን፡ ካብ ናይ ንግዳውያን ትካላትን ብዚውሰድ ግብሪ ከምኡ ከኣ ናይ ተወሳኺ ናይ ኣቑሑ መሸጣ ቀረጽን(Value added tax) ብምግባር እዩ ዚሸፈን።

ስርዓተ ግብሪ ስዊዘርላንድ ብፈደራላዊ መልክዕ ዝተወጠነ ወይ ዝተሓንጸጸ እዩ። ሰለስተ ደረጃታት ከኣ ይሓቊፍ፡ ግብሪ ፈደራል፡ ግብሪ ካንቶናት፡ ግብሪ ኮምዩናት።
እዘን 26 ካንቶናት 26 እተፈላለየ ንግብሪ ዝምልከት ሕግታት ኣለወን። ኣብ ናይ ካንቶናት ሕጊ መሰረት፡ ኮምዩናት መጠን ግብሪ ንኽውስና ስልጣን ኣለወን። ናይ ፈደራል ግብሪ ንገለ ሚእታዊት ናይ ካንቶናት ግብሪ ይውክእል። በዚ መሰረት፡ እቲ ፊናንሳዊ ጾር ካብ ካንቶን ናብ ካንቶን፤ ካብ ኮምዩን ናብ ኮምዩን ይፈላለ እዩ።

ኣብዚ ዓምዲ: ብሕታውያን ውልቀ ሰባት, ብቐጥታ ዚኽፈል ግብሪ, ተኣዛዝነት ምኽፋል ግብሪ, ዘይቀጥታዊ ግብሪ

Related links: