Living in Switzerland – Information and counselling online  

ማሕበራዊ ድሕነት

ስዊዘርላንድ እተማልኣ ስርዓተ ማሕበራዊ ድሕነት ኣለዋ። ኩሎም ኣብ ስዊዘርላንድ ነበርቲ ዝኾኑ ወይ ድማ ዚሰርሑን ሰባት ከምኡ ድማ ተጠወርቶም፡ ሓደ ውልቀ ሰብ ኪጸሮ ካብ ዘይክእል ሓደጋታት ንምክልኻል ሰፊሕ ዝኾነ ዑቕባ ይረኽቡ። ስርዓተ ማሕበራዊ ድሕነት ስዊዘርላንድ ብርክት ዝበሉ ዓይነት መድሕናት ኣለዎ። እዞም ዚስዕቡ ኪጥቀሱ ይኽእሉ፡

  • መድሕን እርጋንን ብህይወት ዝተርፉን
  • መድሕን ስንክልና
  • ናይ ጥዕናን ሓደጋን መድሕን
  • መድሕን ሽቕለት ኣልቦነት
  • መድሕን ክፍሊት ስድራ ቤትን ወሊድን
እዚ መድሕናት እዚ ድማ ነቲ ኪስዕብ ዚኽእል ማሕበራዊ ሓደጋታት፡ ብመልክዕ መልዕሎ፡ ካብ ስራሕ ምስ ወጻእካ ዚኸፍሎ ናይ ካሕሳ ገንዘብ ወይ ንስድራ ቤት ዚወሃብ ኣበል ወይ ድማ ኣብ ግዜ ሕማም ወይ ሓደጋ ንዚወጽእ ወጻኢታት ብምኽፋል ይሽፍን።
ናይ ጥሮታ (AVS) ወይ ከኣ ናይ ስንክልና (AI) ክፍሊትን ካልኦት ኣታዊታት፡ መሰረታዊ ህይወት ንምምራሕ ዘየኽእሉ እንተ ኾይኖም፡ ተወሰኽቲ ደገፋት (PC) ይወሃብ እዩ።
መብዛሕትኡ ማዕከን ገንዘብ ማሕበራዊ ድሕነት ካብ ደሞዝ ብዚቝረጽ ገንዝብ እዩ ዚእከብ። ኣብዚ፡ ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ብማዕረ ይሳተፉ እዮም።
ኣብ መድሕን ጥዕና ብዚምልከት፡ ነፍሲ ወከፍ ናይ መድሕን እቱው ሰብ፡ መጠን ደሞዝ ብዘየገድስ ጠርቂ ይኸፍል እዩ። ካንቶንን ኮፈደረሽንን ድማ ንጠርቂ ናይቶም ዓቕሚ ዚሰኣኑ ሰባት ይኸፍሉ እዮም።
ንወጻእተኛታት ዚምልከት ድማ መብዛሕቲኡ እዋናት ፍልይ ዚበለ ስርዓት ወይ ሕጊ ኣሎ።
ኣብ መንጎ ስዊዘርላንድን ሕብረት ኤውሮጳን እተገብረ ስምምዕ ናጻ ምንቅስቓሳት ሰባት ንእተፈላለዩ ስርዓታት ማሕበራዊ መድሕናት የወሃህድ እዩ። እዚ ስምምዕ ንቡልጋርያን ሮማንያን ኣይሕውስን እዩ። ካልኦት ኩለን ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብቲ ስምምዕ እትዋት እየን። ዜጋታት ሕብረት ኤውሮጳን ስዊዘርላንድን ብማዕረ እዮም ዚረኣዩ።
ስዊዘርላንድ ምስ ብርክት ዝበላ ሃገራት ስምምዕ ማሕበራዊ ድሕነት ፈጺማ ኢያ። ዝርዝር ንምፍላጥ ኣብ ትሕቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ መድሕን ርኣ።
ሃገራቶም ምስ ስዊዘርላንድ ስምምዕ ማሕበራዊ ድሕነት ዘይገበራ ዜጋታት፡ ንዕኡ ንምእላይ ዜገልግል ፍሉይ ሰርዓት ኣሎ። 
እቲ ዚወሃብ ደገፍ ማሕበራዊ ድሕነት ዘይእኹል እንተ ኾይኑ፡ ኮምዩናት ወይ ድማ ካንቶናት ስርዓተ ማሕበራዊ ሓገዛት ኣቝመን ኣለዋ።
ብመሰረት ቅዋማዊ ሕጊ ስዊዘርላንድ፡ ኩሉ ኣብ ስዊዘርላንድ ዚቕመጥ ሰብ፡ ሽግር ኣብ ዘጋጥሞ እዋን ናይ ህጹጽ ሓገዝ ኪረክብ መሰል ኣለዎ። እዚ ኸኣ ንወረቐረት ዘይብሎምን ጉዳዮም ዚተዓጽወን ስደተኛታትውን ዜጠቓልል እዩ።

ኣብዚ ዓምዲ: ስርዓተ ጥሮታ, themen/sociale-sicherheit/arbeitslosenversicherung, themen/sociale-sicherheit/invalidenvorsorge, themen/sociale-sicherheit/krankenkasse, themen/sociale-sicherheit/unfallversicherung, themen/sociale-sicherheit/sozialhilfe, themen/sociale-sicherheit/nothilfe

Related links: