Living in Switzerland – Information and counselling online  

ጾታውነት

በመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ጾታውነት ዕድመ ብዘየገድስ ዘይነጻጸል ኣካል ናይ ወዲ ሰብ እዩ።

ጾታዊ መንነት ናይ ሓደ ሰብ ዝሓቕፎ ነገራት፡
ባዮሎጂካዊ ጾታ
መንነት ዚፈሊ ዓይነት (ናይ ወዲ ተባዕታይ ወይ ጓል ኣንስተይቲ ስምዒት ዝፈሊ)  
ማሕበራዊ ጾታ  (ብባህላዊ ረቛሒታት መሰረት ገይሩ ባህርያት ወድን ጓልን ዜፍሊ መዓቀኒታት)
ጾታዊ ምእዘና  (ምስ ሓደ ናይ ጾታ መጻምዲ ነባሪ ዝኾነ ጾታውን ስምዒታውን ስሕበት ወይ ፍትወት ምምዕባል)
ጾታውነት፡ ንኣካላዊ፡ ስነ ኣእምሮኣዊን ማሕበራውን ባህርያት ዘጠቓለለ ኮይኑ ኪኖ እቲ ጾታዊ ስምዒት ንምዕጋብን ንምውላድን ዘሎ ባህርያዊ ንጥፈታት ሓሊፉ ዝኸይድ እዩ። ጾታውነት ንባህጊ፡ ንጾታዊ ስምዒት ምልዕዓል፡ ምድርራዝ፡ ምቅርራብ ከምኡውን ንጾታዊ ርክብውን ዘጠቓልል እዩ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ስፍሕ ዝበለ ኣረኣእያ ኣብ ስዊዘርላንድ ብምህላዉ፡ ሰባት ንጾታዊ ድሌታቶም ብዘይ ምፍርራሕ፡ ኣድልዎ ወይ ዓመጽን ኣብ ጥዕናኦም ብዘየስግእ መዳይ ሓጎስ ክረኽብሉ ይኽእሉ እዮም። 
ስለዚ ጾታዊ መሰላት ዜጋታት ብዝበለጸ ንምውሓስ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ስዊዘርላንድ ፖለትካዊ ውሳነታት ኣጽዲቓ እያ። ይኹን እምበር ንስዊዛውያንን ስደተኛታትን ነቲ ብባህልን ሃይማኖትን እተሰርዐ ኣብ ጾታ እተሰረተ ምክፍፋል ዕዮ ዳግመ ግምት ኪገብርሉ የዘኻኽርን እቶም ሓራም ዝበሃሉ ጉዳያት ክሕሰበሎም ከም ዝግባእ ይጽውዕ።

ኣብዚ ዓምዲ: ጾታውን ወሊዳውን ጥዕናን, ጾታዊ ምእዘና, ናይ ምክልኻል ስጉምታት, ጾታዊ መሰላት