Living in Switzerland – Information and counselling online  

ምውህሃድ (ኢንተግረሽን)

መትከላትን ዕላማታትን ፖሊሲ ስዊዘርላንድ ኣብ ጉዳይ ምውህሃድ ወይ ኢንተግረሽን ዝምልከት ኣብ ናይ ፈደራል ሕጊ ንወጻእተኛታት (LEtr) ሰፊሮም ኣለዉ። ዜጋታት ኤውሮጳ ዘይኮኑ፡ ፍቓድ ምጥርናፍ ስድራ ቤት ኪወሃቡ፡ ፍቓድ መጽንሒ ወይ መንበሪ ንኺወሃቦም ወይ ንኺናዋሓሎም እንተ ኾይኑ ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ምውህሃድ ጌሮም ዚብል ጉዳይ ኣብ ግምት ይኣቱ እዩ።

እቲ ሕጊ፡ ንምውህሃድ ከም ሓደ ናይ እንካን ሃባን መስርሕ ከምዝኾነ ጌሩ ይገልጾ። እዚ ሕጊ፡ ዕላማታት ምውህሃድ ኣብ ምስላጥ ዕማማት መንግስቲ ግደ ከምዘለዎ ንመንግስቲ ስዊዘርላንድ የረድእ።  
ኮንፈደረሽን፡ ካንቶናትን ኮምዩናትን፡ ስደተኛታት ብማዕረ ዕድል ኣብ ህዝባዊ ህይወት ንኽሳተፉ ምሹእ ዝኾነ ሃዋህው ክፈጥራ ይግበኣን። እዚኣተን፡ ስደተኛታት ንናይ ሃገር ቋንቋ ንኺመሃሩን ሞያዊ ምዕባለ ንኸርእዩ ከተባብዐኦም ግዱዳት እየን። ኣብ ጉዳይ ጥዕና ዝምልከት ከኣ ናይ ምክልኻል ስጉምታት ንኽወስዳ እውን ይሕተታ እየን።
 
ብተወሳኺ፡ ኣብ ምስልሳል ጉዳይ ምውህሃድ ንፍሉይ ድሌታት ደቂ ኣንስትዮ፡ ቆልዑን መንእሰያትን ኣብ ግምት ዘእተወ ኪኸውን ይግበኦ።
 
እቲ ሕጊ፡ ብኣምሳያኡ ስደተኛታት ምስ ሕብረተሰብ ስዊዘርላንድ ንምውህሃድ ብንጥፈት ኪሳተፉ ይምሕጸን። ኣበርክተኦም ከኣ በዚ ዝስዕብ ይግለጽ፡
 
  • ክብረት ንሕጋዊ ትእዛዛትን ክብርታት ቅዋም ስዊዘርላንድን ምርኣይ፡
  • ኣብ ከባቢ መንበሪ ዚዝረብ ሃገራዊ ቋንቋ ምልምማድ፡
  • ኣናብራ ህይወት ስዊዘርላንድ ምፍላጥ፡
  • ድሌት ኣብ ቍጠባዊ ህይወት ንምስታፍን  ትምህርቲ ንምርካብን ምርኣይ።
 
ኣስተውዕሉ
 
ምሃብ ወይ ምንዋሕ ናይ ሓጺር እዋን መንበሪ ፍቓድ (B ን L) ምስ ግዴታዊ ምክትታል ናይ ቋንቋ ወይ ከኣ ናይ ምውህሃድ ኮርስ ኪተኣሳሰር ይኽእል እዩ። ኣብ ሕቶ ምጥርናፍ ስድራ ቤታት ተመሳሳሊ ቅድመ ኩነት ኪሕተት ይኽእል እዩ። እዚ ግዴታ እዚ ኣብቲ ናይ ምውህሃድ ስምምዕ ዝኣተወ ኪኸውን ይኽእል። ብዙሓት ካብ ናይ ስዊዘርላንድ ካንቶናት ነዚ ስምምዓት ይጥቀማሉ እየን። ደረጃ ምውህሃድ ኣብ መሃብ መንበሪ ፍቓድ C ወሳኒ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
 

ማእከላት ምውህሃድ

 
ብደረጃ ካንቶናትን ኣብ ዓበይቲ ከተማታትን ንሓደስቲ ዝመጹ ስደተኛታት ንምቕባልን ሓበሬታታት ንምሃብን ዚቖማ ናይ ምውህሃድ ማእከላት ኣለዋ። ኣብ ጉዳይ ምውህሃድ ብዝምልከት፡እዚኣተን ኣብ መንጎ ኮምዩናት፡ ውድባትን ብሞያዊ መገዲ ዝሳተፉ ሰባትን፡ ናይ ግሊ ወይ ከኣ ገበርቲ ሰናይን ከም ኣወሃሃድቲ ቤት ጽሕፈት ኮይነን ከገልግላ ይኽእላ እየን።

ኣብዚ ዓምዲ: ካንቶናትን ኮምዩናትን, ናይ ምውህሃድ ስምምዕ, ደረጃ ምውህሃድን ውሳነታት ብዛዕባ መሰል ወጻእተኛታትን, ንስደተኛታት ዝቕበላ ኣገልግሎታት

Related links: