Living in Switzerland – Information and counselling online  

መርዓ

ሰብ ሓዳር ደቂ ወጻኢ ወይ ደቂ ክልተ ሃገራት ዝኾኑ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ምንባር እንተ ጀሚሮም ብናይ ስዊዘርላንድ ሕጊ መርዓ ቅዩዳት እዮም። ሰብ ሓዳር ማዕረ ዝኾነ መሰል ኪህልዎም እንከሎ፡ ውልቃዊ ረብሓታቶም ከኣ ምስቲ መጻምዶም የመዛዝንዎ እዮም።
ሰብ ሓዳር ብሓባር ኰይኖም ዝሰማምዕሉ ጉዳያት፡
  • ምውሓስ ብልጽግና ሰብ ሓዳርን ብሓባር ኴንካ ንደቅኻ ምሕብሓብን ትምህርቲ ከም ዚመሃሩ ምግባርን፡
  • ኣብ ንሓድሕድካ ምድግጋፍን እሙን ምዃንን
  • ብሓባር ኴንካ ነታ ስድራ ቤት ንምእላይ ኣስተዋጽኦ ምግባር።እቶም ሰብ ሓደር፡ በቲ ኩሉ ሰብ ዘበርክቶ እጃም፡ ብፍላይ ብመገዲ ደሞዝ ዘለዎ ስራሕ፡ ነቶም ቆልዑ ንምክንኻን ብዚውፍይዎ ነገርን ብናይ ገዛ ስራሕን ይሰማምዑ። ነፍሲ ወከፍ መጻምዲ፡ ብመጠን እቶቶም ናይ ጁባ ገንዘብ ኪሕዙ ይፍቀደሎም።
  • ንሓድሕዶም ብዛዕባ ኣታዊኦም፡ ትሕዝቶኦምን ዕዳኦምን ኬፍልጡ ከም ዝግባእ። ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ፡ እዚ መሰል እዚ ብመገዲ ቤት ፍርዲ ክሕተት ይከኣል እዩ።
መጻምዲ ብሓባር ኰይኖም ዚነብርሉ ቦታ ይመርጹ
ኣስተውዕል!
ውዕል ክራይ ገዛ ናይ ሓደ ስድራ ቤት፡ ብናይ ሓባር ስምምዕ እቶም ክልተ መጻምዲ ወይ ከኣ ብግሉጽ ስምምዕ እቲ ሓደ መጻምዲ እንተ ዘይኮይኑ፡ ሓደ መጻምዲ በይኑ ዚውደኦ ጉዳይ ኣይኮነን። ብናይ ሓባር ስምምዕ መሰረት ከኣ፡ እቶም መጻምዲ ክልተ መንበሪታት ክምስርቱ ይኽእሉ።
ኣስተውዕል!
ሓደ ካብ ሰብ ሓዳር ካብ ሃገራት ሳልሳይ ዓለም እንተኾይኑ ( ካብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ስምምዕ ማሕበር ናጻ ንግዲ ኤውሮጳን እንተ ዘይኮይኑ)፡ መጻምዲ ደቂ ክልተ እተፈላለያ ሃገራት፡ ክሳብ መንበሪ ፍቓድ ዚረኽቡ ብሓባር ናብራ ኪመርሑ እዮም ዚግደዱ። ኣብ ዓንኬል ስድራ ቤታዊ ምጥርናፍ፡ ምምራሕ ሓባራዊ ህይወት፡ ሓደ ካብቲ ኣገዳሲ ቅድመ ኩነት ንምሃብ ፍቓድ መንበሪ እዩ።

 

ኣብዚ ዓምዲ: ናይ ኣካል ምፍልላይ , ፍትሕ , ኣብ ስዊዘርላንድ ዝቕመጡ ደቂ ወጻኢ መጻምዲ , ምዝገባ መርዓ , ገንዘብ , መርዓ ከይፈጸምካ ብሓባር ምንባር

Related links: