Living in Switzerland – Information and counselling online  

ዑቕባ

ኣብ ስዊዘርላንድ ንጉዳይ መስርሕ ዑቕባ ዝከታተል ኣካል ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት (ODM) እዩ። እዚ ቤት ጽሕፈት ኣብ ባዝል፡ ኪያሶ፡ ክሩዝሊንገንን ቫሎርብን ሓተቲ ዑቕባ ኢዶም ዝህብሉ መመዝገቢ ማእከላት ኣለዎ።


እቲ ሕቶ ዑቕባ ኣብ መስርሕ ከሎ ነቶም ሓተቲ መጽለሊ፡ ትምህርቲን ሓገዝን ምሃብ ሓለፍነት ናይተን ዝተመደቡለን ካንቶናት እዩ።


ንብዙሓት ዘይመንግስታውያን ማሕበራት (Caritas, EPER, OSEO, CRS, VSJF) ዝሓቖፈ ናይ ስዊዘርላንድ ቤት ምኽሪ ጉዳይ ስደትኛታት ዝኾነ ውድብ፡ ንረብሓታት ስደትኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ብሃገርን ዓለምለኻውን ደረጃ ኣብ ምክልኻል ይነጥፍ።


ኣብ ስዊዘርላንድ፡ ሕቶ መስርሕ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝተሓላለኸን ክትርደኦ ኣዝዩ ዘጸግምን እዩ። መስርሕ ሕቶ ዑቕባ ብኸመይ ከም ዝካየድ ምርዳእን ነቲ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ቅጥዒ ብትኽክል ምፍጻሙን ኣብቲ ውሳነ ፍልልይ ኬምጽእ ማለት ኣብ መንጎ ምቕባልን ምስጓግን ይኽእል እዩ።


ኣብ ስዊዘርላንድ፡ ሓተቲ ዑቕባ፡ ስደተኛታት፡ ግዝያዊ ዑቕባ ዝረኸቡ ሰባት፡ ሕቶኦም ዝተነጸገ ሓተቲ ዑቕባን ወረቐት ዘይብሎምን ኩሉ ግዜ በዳህን ዝተሓላለኸን ኩነት ይገጥሞም እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ወግዓዊ ደብዳቤ ክመጾም ከሎ ንብምልኡ ብዝርዝር ምንባብ ኣገዳስነት ኣለዎ።


በዚ መገዲ ንዓኹም ንምሕጋዝ ካብ ዝተዳለወ በብዓይነቱ ሓበሬታ ብዝግባእ ክትጥቀምሉ ትዕደሙ። ብመርበብ ሓበረታ ንህቦ ቀጥታዊ ምኽሪውን ክትውከስዎ ከም እትኽእሉ ንሕብር።

ኣብዚ ዓምዲ: መስርሕ ሕቶ ዑቕባ, ሕጊ ዑቕባ, ኣብ ስዊዘርላንድ ምቕማጥ , ናብ ሃገር ምምላስ, ሓገዝን ናይ ሕጊ ምኽርን

Related links: