Living in Switzerland – Information and counselling online  

ሚግራወብ

ሚግራወብ ብስደተኛታትን ንስደኛታት እተዳለወ  መደብ ወይ ድማ ኣገልግሎት እዩ።
ሚግራወብ ንመዓልታዊ ናብራ ኣብ ስዊዘርላንድ ሓጋዚ ዝኾነ ሓበሬታን ምስ ካልኦት ትካላት ናይ መራኸቢ ዕድላት ይፈጥር። ሰሙናዊን እዋናዊ ዝኾነ ሓበሬታ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ይዝርግሕ። እቲ ሓበሬታ ካብ ናጻ ዝኾኑ ትካላት ናይ ስቪል ሕብረተሰብ፣ ካብ ፈደራልን ካንቶናልን ወይ ድማ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈታት ከምኡ  እውን ክኢላታት ናይ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ይዳሎ። ወለንተኛታት ዝኾኑ ናይ ቋንቋ  ክኢላታት ድማ ንእተዳለወ ሓበሬታ ናብ ናይ ስደተኛታት ኣደ ቋንቋ ይትርጎሙን ከም ድልድል ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ባህሊ ኮይኖም ድማ ይሰርሑን።
ንዘይተመለሱ ሕቶታት፣ ጸገማት ናይ መዓልታዊ ናብራ፣ ጭንቀት፣ ፍርሒ ንካልኦት ኸምዚኦም ዝኣመሰሉን ማሕበራዊ ጉዳያት ብቐጥታ / ብኦንላይን ምኽሪ ብናይ ኣደ ቋንቋ ብምሃብ ኣገልግሎቱ የስፍሕ።
ኣብ ምውህሃድ/ ኢንተግረሽን ኣገልግሎት ዝብል ዓምዲ ድማ ንዓኹም ዝሰማማዕ ትምህርቲ/ኮርስ ኣብ ቕረባኹም ወይ ዱማ ኣብ ከባቢኹም ክትረኽቡ ይሕግዝ።
ኣብ ዛዕባ ዝብል ዓምዲ ድማ ኣገደስቲ ዝኾኑ ጉዳያት፣ ምንቅስቃሳትን መዋዓዉዒን ካብ ኣብ ስዊዘርላንድ ዘላዋ ዝተፈላለያ ኮሙኒታት ክትረኽቡ ትኽእሉ።
ኣብ ቀጻሊ ምዕባለ ናይ ሚግራወብ ተኻፈሉ
ወለተኛታት ተርጎምትን ብቅጥታ/ኦንላይን መኸርቲ ዝኾኑ ሰባት ብእተፈላለየ ቋንቋ ነደሊ ኣለና። ድሌት እንተድኣ ኣለኩም ኮይኑ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ርኸቡና፣ .
 
ሚግራወብ ንኹሉ ቋንቋ  ናይ ኮሙኒትይ ማዕጽኡ ኩፉት‘ዩ። እንተድኣ ሓደ ጉጅለ ወለንተኛታት ናይ ክሳብ ሕጂ ዘይተዳለወ ቋንቋ  ክትምስርቱ ደሊኹም ምስ . ርክብ ግበሩ።
                                                                                                                          ናብ ላዕለዋይ ገጽ