Living in Switzerland – Information and counselling online  

ተመዝገቡ

ተመዝገቡ

ኢመይካ ሃቡ

* ኣገደድቲ ክፍሊ

ዝርዝር ጉዳይ


ናይ ኣጠቓቕማ መምሪሕታት

1. ሓላፍነት ዘይምውሳድ

ኣባላት ሚግራወብ ንእትሰድዎ መልእኽቲ ብዘይ ኽፍሊት መልሲ ይህቡሉ። እቲ ምኽሪ ብወልንታን ብዘይ ውዕልን ምግባርን ይፍጸም። ሚግራወብ ይኹን ኣባላቱ ዝኾነ ሓላፍነት ወይ ጸገማት ብሰንኪ እተዋህበ ምኽሪ ኣይስከሙን ኣይወሱድን። ንሚግራወብ ወድማ ንኣባላቱ ብወብሳይቱ ወይ ድማ ብናቱ ጥቕምታት ኣቢሉ ንዝኾነ ዓይነት ሓደጋ ምግላጽ ውጉድ እዩ።   

ሚግራወብን ኣባላቱን ንኸጋጥም ዝኽእል ናይ ነዊሕን ሓጺርን ግዜ ናይ ምቑራጽ ኣገልግሎት ብሰንኪ ተክኒካዊ ጸገማት ምሉእ ብምሉእ ከውግዱ ኣይኽእሉን። ሚግራወብን ኣባላቱን ንዘጋጥም ምቑራጽ መደብ፣ ወብሳይቱ ካብ ጌጋ ነጻ ናይ ሙኻን፣ ናቱ ሰርቨር ካብ ቫይረስን ጎዳእቲ ነገራትን ሓራ ናይ ምኻን ውሕስነት ኣይገብርን። ኣብ እተጥቕሱ ኣጋጣሚታት ሚግራወብን ኣባላቱን ክኽሰሱ ኣይኽእሉን።       

2. መወከስታትን ኣድርሻታትን

ንኣብ ወብስይትና እተጠቕሱ ናይ ወጻኢ ኣድራሻታትን ናቶም ትሕስቶን ሚግራወብ ሓላፍነት ኣይስከምን። ንዘይሕጋዊ፣ ዘይሓቒን ዘይምሉኡን ትሕዝቶ ብፍላይ ድማ ንዝኽሰት ሓደጋ ባዕሉ እቲ እተጥቕሰ ኣገልግሎት ወሃቢ ሓላፍነት ይወስድ።

3. ምዕቓብ ውልቓዊ ሓበሬታ

እንእክቦም ሓበሬታት ብውልቒ ዝልለዩ ኣይኾኑን። ንስታቲስትካዊ (ቑጽራዊ) ዕላማ ጥራሕ ይግምገሙ። ንሳልሳይ ኣካል ኣይዋሃቡን። 

ብሙሉኦም ኣባላትና ምስጢር ናይ ምኽሪ ደላያይ ክዕቅቡ ይግደዱ።

በዚ ኣጋጣሚ እዚ ግን ኽትፈልጥዎ ዝግባእ ውልቓዊ ሓበሬታትኹም ኣብ ዓለምለኸ ወብሳይትን(WWW) ኸምኡ ዉን -መይል (E-Mail) ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ብዘይ ተመዘዙ ወይ ሓላፍነት ዘይተዋህቡን ኣካላት ዕቑባት ኣይኮኑን።

4. ዋጋ ምዕቓብ

መሰላትና ኣብ ምቕያር ናይ ስራሕ መምርሕታትን ሕግታትን ኣብ ዝኾን እዋን ዝተዓቐቡ እዮም። እዞም ናይ ስራሕ መምርሕታትን ሕግታትን ብናይ ስዊዘርላንድ ሕጊ እተቐየዱ እዮም።

ኣድራሻ ናይ ቤት ፍርዲ እዚ ዝስዕብ እዩ፣ der Standort des Trägervereins von Migraweb.ch, Verein Web for Migrants, Bern.