Living in Switzerland – Information and counselling online  

ሚግራወብ

ሚግራወብ ብስደተኛታትን ንስደኛታት ዝተዳሎ መደብ ወይ ድማ ኣገልግሎት እዩ።

ሚግራወብ ንመዓልታዊ ናብራ ኣብ ስዊዘርላንድ ሓጋዚ ዝኾነ ሓበሬታ ምስ ካላኦት ትካላት ናይ መራኸቢ ዕድላት ይፈጥር። ሰሙናዊን እዋናዊ ዝኾነ ሓበሬታ ብዝተፈላለዩ ቓንቓታት ይዝርግሕ። እቲ ሓበሬታ ካብ ነጻ ዝኾኑ ትካላት ናይ ስቢል ሕብረተሰብ፣ ካብ ፈደራልን ካንቶናልን ወይ ድማ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈታት ኸማኡ እውን ኪኢላታት ናይ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ይዳሎ። ወለንተኛታት ዝኾኑ ናይ ቓንቓ ክኢላታት ድማ ንእተዳለወ ሓበሬታ ናብ ናይ ስደተኛታት ኣደ ቓንቓ ይትርጎሙን ከም ድልድል ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ባህሊ ኮይኖም ድማ ይሰርሑን።

ንዘይተመለሱ ሕቶታት፣ ጸገማት ናይ መዓልታዊ ናብራ፣ ጭንቀት፣ ፍርሒ ንካላኦት ኸምዚኦም ዝኣመሰሉን ማሕበራዊ ጉዳያት ብቀጣት/ ብኦንላይን ምኽሪ ብናይ ኣደ ቓንቓ ብምሃብ ኣገልግሎቱ የስፍሕ።

ኣብ ምውህሃድ/ ኢንተግረሽን ኣገልግሎት ዝብል ዓምዲ ድማ ንዓኹም ዝሰማማዕ ትምህርቲ/ኮርስ ኣብ ቕረባኹም ወይ ዱማ ኣብ ከባቢኩም ክትረኽቡ ይሕግዝ።

ኣብ ዛዕባ ዝብል ዓምዲ ድማ ኣገደስቲ ዝኾኑ ጉዳያት፣ ምንቅስቃሳትን መዋዓዉዒን ካብ ኣብ ስዊዘርላንድ ዘላዋ ዝተፈላለያ ኮሙኒታት ክትረኽቡ ትኽኡሉ።

ኣብ ቀጻሊ ምዕባሌ ናይ ሚግራወብ ተኻፈሉ

ወለተኛታት ተርጎምትን ብቅጥታ/ኦንላይን መኸርቲ ዝኾኑ ሰባት ብእተፈላለየ ቓንቓ ነደሊ ኣለና። ድሌት እንተድኣ ሃልይኩም በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ርኾቡና፣ .

 

ሚግራወብ ንኹሉ ቓንቓ ናይ ኮሙኒትይ ማዕጽኡ ኩፉት‘ዩ። እንተድኣ ሓደ ጉጅለ ወለንተኛታት ናይ ዝጋብ ሕጂ ዘይተዳለወ ቓንቓ ክትምስርቱ ደሊኹም ምስ . ርክብ ግበሩ።

ወደ ላይኛው ገጽ