Living in Switzerland – Information and counselling online  

ብዛባና

ዳብሊው ኤፍ ኤም (WFM) ንትርፊ ዘይሰርሕ ማሕበር ኮይኑ ብናይ ስዊዘርላንድ ሲቢላዊ ሕጊ ዓንቀጽ 60 እተመዝገበን ካብ ፖለቲካን ሃይማኖትን ነጻን ዘይሻራዊን እዩ።

ተሻረኽቲ ናይ እዚ ማሕበር እዞም ዝስዕቡ ጽላል ማሕበራት ስደተኛታት ኣብ ስዊዘርላንድ እዮም፦ መድረኽ ንውህደት ስደተኛታት ኣብ ስዊዘርላንድ( FIMM)፣ መድረኽ ንወጻእተኛታት ኣብ ሉሳን( FEEL) ኸምኡ ድማ ናይ ማሕበራዊ ምምሕዳር ከኢላ ነትዎርክ ሶሾሉሽን (Sociolution). ናትና ናይ ብቅጥታ መስመር/ኦንሊይን ኣማኸርቲ ዝኾኑ ስልጠና ኻብ ድራገቦተን ሃንድ (Dargebotenen Hand) ይረኽቡ።

ናይ ዳብሊው ኤፍ ኤም (WFM) ዕላማ ንስደተኛታትን ዕቕባ ሓተትን ኣብ ውህደት/ኢንተግረሽን ብሓድሽ መራኸብን ሓበሬታ ተክኖሎጂ (ICT) ብምጥቓም ምሕጋዝ ኾይኑ ብተወሳኺ ስደተኛታት ኣብ -ኢንኩልዥን (E-Inclusion) ምእታው ጻዕርታት የካይድ። ብፍላይ ድማ ብምትሕግጋዝ ካልኦት ኣባላቱ ንወብሳይት www.migraweb.ch ብግቡእ ኸም ዝኸይድ ይገብር። እዚ ወብሳይት እዚ ንስደተኛታትን ዕቕባ ሓተትን ናይ ኢንተርነት ሓበሬታን ብቀጥታ መስመር/ኦንላይን ምኽሪን ብናይ ኣደ ቓንቓ ኣገልግሎት ይህብ። 

  

ባዕልካ ነብስኻ ናይ ምሕጋዝ ፕሮጀክት

ሚግራወብ ንነብስኻ ባዕልኻ ምሕጋዝ ብዝብል ዕላማ ዝተዳለወ እዩ። ጽቡቕ ገይሮም እተዋሃሃዱ ስደተኛታት ብወለንታ ኣብ ናይ ምትርጋም ስራሕ ብምስታፍ ንናቶም ሰባት (ደቒ ዓዶም) ዕድላት ኣብ ስዊዘርላንድ ይኸፍቱን ኣብ ብቐጥታ መስመር (ኦንላይን) ምኽሪ ንብምሉኡ ህይወት ኣብ ስዊዘርላንድ ዝትንክፍ ድማ ይሕግዙ።

  

ናይ ምጥርናፍን መርኻብን ፕሮጀክት

ንኮሚኒቲ ናይ ስደተኛታት ምስ ናይ ስዊዘርላንድ ማሕበራት ናይ ስቪል ሕብረተሰብን ( ንኣብነት ኸም ናይ ገዛ ኽራይ ማሕበራት፣ ናይ ተጠቓሚ መሰል ዝከላኸላ ማሕበራት፣ መንእሰያት ማሕበራት፣ ናይ ኣረገውቲ ዜጋታት ማሕበራት፣ ናይ ንግዲ ማሕበራት፣ ናይ ኪእላታትን ንግድን ማሕበራት ካልኦትን) ናይ መንግስታዊ ትካላት ( ናኣብነት ኸም ቤት ጽሕፈት ሚግረሺን፣ ቤት ጽሕፈት ኢንተግራሺኦን ካልኦትን) የራኽብን ትሕዝቶ ወይ ድማ ሓበሬታ ናይ ዘን ማሕበራት ብቐሊሉ ኸም ዝርከብ ይገብርን።

እዚ መድረኽ ንምንቅሳቃሳተን ብመደብ ንኹሉ ኩፉት ዝገብራ ማሕበራት ሚግራሺን ኸተርውፈ የርኽብ። 

  

  

ኣገልግሎት ውህደት (ኢንተግረሺን)

ዳታባንክ (Datenbank) ናይ ኢንትግሬሺን ኣገልግሎት ንናይ ሓገዝ ትካላት፣ኢንተግሬሺን ማሕበራት ዘይመንግትዊያን ማሕበራትን ንትርፊ ዘይሰርሓ ትካላትን ፈቓድ ናይ ዝህብዎ ትምህርትን ኢንተግረሺን ኣገልግሎትን ንምውዕዋዕ ይህብ። ድሌት ዘለዎም ስደተኛታት ብዘይ ናይ ቓንቓ ጸገምን ስሉጥን ብዝኾነ መንገዲን ነቲ ኣገልግሎት ክጥቐሙ ይኽእሉ።

  

ኣድራሻ

web-for-migrants@sociolution.ch

 

  

ምምሕዳር ፕሮጀክት

ኡርሱላ ዱቦስ (Ursula Dubois)

   

ኣዋሃሃድቲ ፕሮጀክት

ብሪጂት ጎንዛለስ (Brigitte Gonzalez), ምዕራባዊ ስዊዘርላንድ  Suisse Romande)

እሚነ ሳሪያስላን (Emine Sariaslan), ዶች ሽዋይዝ (Deutschschweiz)

Related links:

ወደ ላይኛው ገጽ

ብዛባና